top of page
Search

ክርስትና ብምስዓብ ይጅምር ብግብሪ ይቕጽል


ክርስትና ምዃን እምበር ምግባር ኣይኮነን!

ሓደሓደ ኣባሃህላታት እንተድኣ መጢጥካዮም ወይውን ምሉእ ሓሳብ ከይተረዳእካዮ እንተተሪፍካ ሓሳብ እቲ ብሃሊ ብጽሑፍ ዝሰፈረ እንተኾይኑ ድማ ጽሓፊ እዚ መልእኽቲ “ ክብሎ ዝደለየስ እዚ እዩ “ ኢልካ ምግምጋም ንፍልጠትና ዘባልን ዝንቡዕን እዩ ዝገብሮ። ክብሎ ዝደለየስ እዚ እዩ ኣብ ክንዲ ምባልውን “ ይመስለኒ “ እንተንውስኸሉ ውን ጭውነተ እዩ። ኩሉኳ ክብል እንተዘየደፈርኩ ዝበዝሕ ሰረተ እምነታት ካሪዝማዊ ምንቅስቓሳትና ካብቲ ካብ መድረኽ ኣብ ጊዜ ስብከትና ዝልቀቑ ቃላት እዩ። ግቡእ መሰረታዊ መጽናዕቲ ከይተኻየድሎም ምሉእ ዳህሳስ ቃል ኣምላኽ ከይተገብረሎም ሰረት እምነትና ተባሂሎም ኣብ ሰነድ እንተዘይሰፈሩኳ “ ንኣምነሎም “ ኢና እናበልና እንማጎቶሎም ሓድሓደ ልምድታትን ተሞክሮታትን ኣለዉና። ነዚ ብምርኣይ ድማ እዩ ሃዋርያ ጳውሎስ ንኣገልገልቲ ማሕበር ኤፊሶን ክፋነዎም ከሎ “ኲሉ ምኽሪ ኣምላኽ ነገርኩኹም እምበር፡ ዘትረፍኩልኩም የብለይን ” ዝበለ። (ግብ. 20፡26)

ነዚ ምባለይ ካብቲ ነዛ ጽሕፍቲ ሂበያ ዘለኹ ኣርእስቲ ብምብጋስ እዩ። ነታ ኣርእስቲ ጥራይ ከም ዘላታ እንተነብበናያ ኣባህላኣ ክርስትና “ ግብሪ “ ዝብሃል የብሉን እያ እተሰምዕ። እዚ ኣርእስቲ ኣቓልቦ እቲ ነባቢ ንምሓዝ እምበር ምሉእ ሓሳን እቲ መልእኽቲ ኣይኮነን። ሕጅውን ክሳብ መወዳእታ ነበብዋ እምበር ብኣጋኡ ኣይትፍረድዋ። ብዓይኒ ሓቂ ክርስትና ኣብ ውዱእ ዕዮ መስቀል ይጅመር እምበር ኣብኡ ኣይዛዘምን እዩ። እቲ ምንታይ ሰብ ንምድሓኑ ዘብቅዕ ግብሪ የብሉን ኢና ኢልና እንተሞጎትና ካብ ሰከንድ ምድጛኑ ክሳብ ገጽ ጎይታኡ ዝርኢ ብግብሪ እዩ ዝነብር። ግብሪ ውጽኢት እምነትካ እዩ። ክርስትያን ምስ ኮንካ ወይውን ምስ ኣመንካ እትገብሮ የብልካን ኣይኮነን እንብል ዘሎና። ከመይሲ ድሕሪ እምነት ብግብሪ ይስዕብ፤ እንተድኣ ዘየሎ እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ እያ። ጎይታውን ነቲ ቃለይ ሰሚዑ ዝገብሮ እዩ ዝበለ ድኣ እምበር ነቲ ቃለይ ዝሰምዕ ጥራይ ኣይበለን። “ ነዚ ነገረይ ሰሚዑ ዚገብሮ ኹሉ፡ ቤቱ ኣብ ከውሒ ዝሰርሔ ብልሂ ሰብኣይ ይመስል። “ ( ማቴ. 7፡24) ሓውና ሃዋርያ ጳውሎስ ንእውን ነዚ ከጽንዖ ኸሎ “ ፍጡራቱ ኢና እሞ፡ ነቲ ኣምላኽ ክንመላለሰሉ ኢሉ ቐደም ዘዳለዎ ሰናይ ግብሪ ብክርስቶስ የሱስ እተፈጠርና ኢና ” እዩ ዝብል። (ኤፌ. 2፡10)

ንኽትድሕን ግብሪ ኣይሕተተካን ንኽትነብር ግና እትገብሮ ግደ ኣሎ። በብምዓልታዊ ነቲ ዝኣመንካሉን እተረታዕካሉን እምነት ዘንጸባርቕ ክብርታት ኣብ ውሳነታትካን ስጉምትታትካን ብምትግባር ትፍጽሞን ተርእዮን። ክትጽሊ ከሎኻ ግብሪ እዩ። ክትህብ ከሎኻ ግብሪ እዩ። ንቤት ኣምላኽ ክትከይድ ግብሪ እዩ። ክተገልግል ግብሪ እዩ። እቲ ብልብኻ ዝኣምነካሉ እተርእየሉ መገዲ ሰብ ብዝርእዮ መገዲ ብምትግባር እዩ። መርከብ ኣብ ባሕሪ ኮፍ እንተበለት እሞ ናብቲ ክብጻሕ ዘለዎ ኣድራሻ እንተ ዘየምርሐትን ዝግባእ ጻዕርን ምውፋር ዓቕምን እንተዘይገበረት ሓደው ኣብታ ዘላታ ትነብር ወይውን ብንፋስ ተደፊኣ ናብ ዘየተደልየ ኣድራሻ ትውሰድ። ከምኡ ድማ ሓደ ሰብ ብክርስቶስ ዳግም ምስ ተወለደ ህይወቱ ልክዕ ከምቲ ኣብ ባሕሪ እተፈነወት መርከብ ከምኡ ኣብ ዓለም ይልቀቕ። ናብቲ ኣምላኽ ዝኣመመሉ ክሳዕ ዝበጽሕ ድማ ኣበርክቶኡ ይድለ እዩ።

59 views0 comments

Comentarios


bottom of page