ካልእ መጽሓፍ ቅዱስ ብቑዓት ኮይንኩም ክትመላለሱ ዝብለና ገለ ክንመላለሰሎም ዘሎና እዮም ዝብሎም መሰረታውያን መንፈሳዊ ሓቅታት እዚ ዝስዕብ እዩ።
ውሉድ ክንክብውን ከም እተጸዋዕና ምስ ተረድኣና ንጻውዒትና ፍጻመ ዝህቦ በቲ ዕድል ርስቲ ኣቢሉ ምስቲ ጸዋዒና ዝህልወና እተፈጥረ ሓድሕዳዊ ርክብ ምዃኑ ኣቐዲመ ሓቢረ ነይረ። ውልድነት ብምህላው ዘይኮነስ ብምዃን እዩ ዝጅመር። ምስ ኮንካ ክህልወካ ንቡር እዩ! እተብሃልናዮ ክንከብሮ እንተጀሚርና ምስ ኣቦ ዘሎና ሕብረት ብፍጹም ክልወጥ እዩ። “ ሕብረትናውን ምስ ኣቦን ምስ ወዱ የሱስ ክርስቶስን እዩ። “ (1ዮሃ. 1፡3) ሕብረትና ማለት ድማ ጸሎትና ኣምልኾና ናብኡ ኣቀራርባና ማለት ክኸውን ከሎ እዚ ካብ ፍልጠት ሓሊፍና ክነብሮ ምስ እንጅምሮ እቲ እተባሃልናዮ ክንነብሮ ጀሚርና ይብሃል። ብምሕዳስ ሓሳብና ክልወጥን እናተለወጠ ክኸይድን ዘለዎ ኣውራ ክፍሊ ኣገልግሎት ወይውን ቅድስና ህይወት ኣይኮነን፡የግዳስ ምስኡ ዘሎና ርክብ እዩ።
ክርስትና ከም እንፈልጦ ብውልድነት ይጅምር። ጎይታ የሱስ ነቶም እተቐበልዎ ብስሙ ንዝኣምኑ ግና ‘ ውሉድ ‘ ኣምላኽ ክኾኑ መሰል ሃበ። (ዮሃ. 1፡12) መንፈስ ቅዱስውን ውልድነት ረኺብና ምስ ኣብቃዕና ከምኡ ኣባና ሓዲሩ ብቐዳምነት‘ ክንብሎ ዝደልየና ‘ኣባ ኣቦ’ እዩ። (ሮሜ. 8፡ 14) ውሉድ ኣምላኽ ምዃንና ኸኣ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ምስ መንፈስና ዀይኑ ዚምስክር። (ሮሜ. 8፡16) ውልድነት ድማ ብምዃን እዩ ዝጅመር። ምስ ኮንካ እትብህጎን እትደልዮን ክህልወካ ንቡር እዩ! ርኣዩ፡ ውሉድ ኣምላኽ ክንብሀል፡ እቲ ኣቦ ኸመይ ዝበለ ፍቕሪ ሀበና፡ ከምኡውን ኢና። (1ዮሃ.3፡1) ክንከውን ንጽበ ወይ ንሰርሕ ወይውን ንስራሕ የለናን። ቀዳማይ መጸውዒና ‘ ውሉድ ‘ ዝብል እዩ። እታ “ ከምኡውን ኢና “ እትብል ሓረግ “ መስርሕ ወይ ከይዲ ዘይኮነስ ድሮ ዝበጻሕናዮ እዩ። ብኣምላኽ እተዋህበና ቀዳማይ ህያብ “ ህያብ ምዃን ” እዩ። ኣቦ ቀዳማይ “ውሉድ “ ክንብሃል መሪጹ። ንሱ ነቲ ዘየሎ ወይውን ዘይተፈጸመ ከይኮነ ኸሎ ከም ዘሎ ገይሩ ስለዝዛረብ ገና ከይኮንና ኸሎና ከይተረፈ“ ከምኡ“ ኢኹም ኢሉና ። “ሕጂ” ኮይናንዮ ዘሎና ግሉጽ እዩ። ቃል ኣምላኽ ዝብለና “እንታይ ከም እንኸውን፡ ገና ኣይተገልጸን። ” (1ዮሃ. 3፡2)
እተብሃልናዮን እንነብሮን ዘሎና መተዓረቒ እንኮ መገዲ ድማ ምእዛዝ እዩ። እቲ ኣብ ገነት ኤድን ብቀዳማይ ዝኸሰርናዮ ዓቢ ክሳራ ርክብ ከም ኣቦን ውሉድን እዩ። እቲ ክሳራ ድማ ጽልኢ ኣብ ሞንጎናን ኣምላኽን ድማ ቀጽሪ ፈጠሩ። ብቀዳማይ ምጽኣት ጎይታ የሱስ ብቀዳምነት እተዓረየ ድልድል ድማ እዚ እዩ። ብመስቀሉውን ነቲ ጽልኢ ቐቲሉ (ኤፌ. 2፡1) ምስ ኣቦ ኣተዓረቐና። እዚ ዅሉውን ካብቲ ባዕሉ ብክርስቶስ እተዓርቀና፡ ኣገልግሎት ዕርቂውን ዝሃበና ኣምላኽ እዩ። (2ቆረ. 5፡18)
ከምቲ ኣይትስረቕ ኣይትሓሱ ወዘተ. ክንብሃል ከሎና ብዘይ ገለ ምምስማስ እንእዘዞ ‘ውሉድ ኢኻ እሞ ከም ውሉድ ኩን’ ዝብል መንፈሳዊ ትእዛዝ ክንውሃብ ከሎና ድማ ምትግባር ይድለየና። ብኹሉ ንእግዚኣብሄር ባህ ከተብሉ ንእኡ ብቑዓት ኴንኩምክትመላለሱ ንጽሊ ኣሎና“ (ቆሎሴ 1፡10) ደጊምብድሕርዚውሉድእምበር፡ባርያኣይኰንካን።ውሉድካብኰንካግና፡ብክርስቶስወራሲኣምላኽኢኻ።“ (ገላ.4፡7) ቀዳማይ ጻውዒት እምብኣር ውሉድ ምዃን ካብ ኮነ ብቐዳምነት ኣምላኽ ክንኮነሉ ዝደልዮ ድማ ከም ውሉድ ኣብ ቅድሚኡ ክንመላለስን ክነንብርን እዩ። ምሳና ክህልዎ ዝደሊ ርክብ ከም ውሉድን ኣቦን እዩ።
Comments