top of page
Search

ናብቲ ዝሰማዕናዮ ነቕልብ!

ኣምላኽ ይዛረብ ኣሎ!

ስለዚ ምእንቲ ኸይንጠፍእ፡ ናብቲ ዝሰማዕናዮ ኣዚና ኸነቕልብ ይግብኣና እዩ። (እብ. 2፡1)


ስተውዕል እንተሎ ቃሉ ክነንጽንዕ ወይ ክንምሃር ክንብገስ ከሎና ኣምላኽ ክዛረብ ተቐሪቡ ኣሎ ማለት እዩ። ምስማዕ ክብሃል ከሎ ኣነን ንስኹምን ድምጺ ንዝህበካ ወይውን ድምጺ ንዘለዎ ጥራይ ጌርና ስለ እንጽበ “ ኣምላኽሲ ንዓይ ምዓስ እዩ ዝዛረበኒ “ ኢና እንብል። ግናኸ ኣሕዋተይ ሓደ ነገር ንፍለጥ። እስከ ካብቲ ዝውቱር ኣባህላና ክነስተብህል ክገብረኩም። ሓደ እንፈልጦ ሰብ ካብቲ ዘሎናዮ ቦታ ኣርሒቑ ተፈልዩ ምስ ዝኸይድ ኣበይ ከምዝበጽሔን እንታይ ይገብር ከም ዘሎን ንምፍላጥ ንዝቐርብዎ ሰባት “ ድሃይዶ ረኺብካ?” ብምባል ድሕሪ ምሕታትና እናሻዕ “ ደሃይ ሰሚዔ” ዝብል ምላሽ ንረክብ ኢና። እዚ ማለት ብኣካል ርእየዮ ወይውን ብስልኪ ድምጹ ሰሚዔ ዘብል እንተዘኮነውን ካብቲ ሓደ ድሃይ ሰሚዔ ዘብል ደብዳቤ እንተ ተረኸብውን ድምጹ ሰሚዔ ስለዘብሎም እዩ። ከምዘለዎ ቃል ብቓሉ እንተዘይኮነውን በዚ መልክዕ እዚ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ንዓይን ንዓኻትኩምን ካብ ኣምላኽ እተጻሐልና ደብዳበ እዩ። ብዛዕባና ብግሊ ብቤተሰብ ብማሕበር ኣምላኽ ብሃገር ይኹን ከምኡውን ብዛዕባ እዛ እንነብረላ ዘሎና ዓለምን ኩሎም ነበርታን መጻኢኣን እንታይ ይሓስብ ከም ዝነበረን ዘሎን እንፈልጦ በቲ ኣብ ቃሉ ሰፊሩ ዘሎ ምሉእ ሓበሬታ እዩ።

ኣምላኽ ቀደም ብዝስማዕ መገዲ ማለት ብነብያት ገይሩ ብዙሕ ሳዕን ብብዙሕ መገድን ነቦታት ተዛሪቡ እዩ።( እብ. 1፡1) ነዚ መላእ ብሉይ ኪዳን ህያው ምስክር እዩ ኣብቲ ዳሕራይውን እንተኾነ ጎይታ የሱስ ኣብዚ ምድሪ እናተመላለሰ ኸሎ ድምጹ ኣስሚዑ እዩ ነዝውን እንተኾነ ወንጌላት ምስክር እዮም። ። ኣምላኽ ቀደም ብዝስማዕ መገዲ ማለት ብነብያት ገይሩ ምዝራብ ዝመረጸሉ ኣውራ ምኽንያት ድማ እቶም ሽዑ ዝነበሩ ሰማዕቲ ብቕዓቶም በቲ ተፈጥሮ ዝዓደሎ ኣእዛን ጥራይ ምስማዕ በቲ ኣዒንቶም ኸኣ ምርኣይን ነበረ። ከመይሲ እቲ ድሕሪ በዓለ ሓምሳ እተገልጸ መንፈስ ቅዱስ ንዓኣቶም ከም ልቓሕ ነበረ። ኣብቲ ዘድሊ እዋን ዘድልዮ መልእኽቲ ኣብ ውሱናት ሰባት ጥራይ ወሪዱ ይዛረብ እሞ ናብ ስፍራኡ ይምለስ ነበረ። ጎይታ የሱስ ባዕሉ ኣብ ወንጌላት “ ንሱ ምስ መጸ “ እናበለ ብድሕሪኡ ከም ዝመጽእ ተነብዩሉ ኣሎ።“ እቲ ኣነ ኻብ ኣቦ ዝሰደልኩም መጸናንዒ፡ ካብ ኣቦ ዚወጽእ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ኺምስክረለይ እዩ “ (ዮሃ.15፡26) ኣነን ንስኻትኩምን ግና “ ኣምላኽ ብዛዕባና ዚሐይሽ ስለ ዝሐለየ፡ “ (እብ. 11፡40) ብዓይንኻ ምርኣይ ዘይኮነስ ብእምነት (2ቆር.5፡6) ብስጋዊ ኣዒንቲ ዘይኮነስ ብመንፈስ (ሮሜ. 8፡4፤14፤ ገላ. 5፡25 ) ክንመላለስ መረጸ።

ሕጂ እንብሎ ዘሎና ኣውራ ነገር እዚ እዩ። እቲ ኣብ ጽሑፍ ሰፊሩ ዘሎ ኩሉ ቃል ንሱ ባዕሉ ካብ ኣምላኽ ክወጽእ ከሎ “ ድምጺ “ እዩ ዝነበረ። ሕጂ ኣምላኽ ድሕሪ ነቲ ቃል ምሕታሙ ካልእ ድምጺ ኣይተዛረበን ኣይክዛረብን ድማ እዩ። እቲ ቃል ባዕሉ ድምጺ እዩ። ኣይንውስኸሉ ኣይንንክየሉ! እቲ 66 መጻሕፍቲ ክሕተም ከሎ እተዋህበና መጠንቀቕታ ኣሎ “ሓደ እኳ ናብዚ እንተ ወሰኸ፡ ኣምላኽ ከኣ ኣብዚ መጽሓፍ እዚ ተጽሒፉ ዘሎ መዓት ኪውስኸሉ እዩ። (ራእ. 22፡18)

ስለዚ ኣምላኽ ብምርጫ ርእሱ መወዳእታ ዘረባኡ ኣብቲ መጽሓፍ ኣስፊሩ ብድሕሪኡ ካልእ ከይዛረብ ወሲኑ እዩ። “ ሰማይን ምድርን ኪሐልፍ፡ ቃለይ ግና ኣይኪሐልፍን እዩ. . .” (ማር.13፡31) ደጊሙውን “ ዝናምን ውርጭን ካብ ሰማይ ከም ዝወርድ እሞ ንምድሪ ኸይስተዮ፡ ከም ዜርፍን ከም ዜብቁልን ከኣ ከይገበሮ ፡ ዘርኢ ንዘራኢ ፡ ምግቢ ንተቐላቢ ድማ ከይህቦ፡ ንድሕሪት ከም ዘይምለስ“ (ኢሳ.55፡10) ዝብል ቃል ነዚ እንብሎ ዘሎና መጽንዒ እዩ። ሕጂ ብበርቂ ብነጉዲ ብኹነታት ዋላውን ብመላእኽቲ ካብ ምዝራብ በቲ ሓለፋ ሽሙ ዘኽብሮ ቃሉ ክዛረብ መሪጹ ኣሎ። “ ንቓልካ ሓለፋ ዅሉ ስምካ ኣዕቢኻዮ ኢኻ እሞ “(መዝ. 138፡2) ንሕና ኸኣ ነቲ ድምጺ በቲ ሓደ ጫፍ ኮይንና እንሰምዕ እምበር ነቲ ዝዛረብ ምእንቲ ክዛረብ እነንቃሳቕስ ኣይኮንናን። ግደና ምስማዕ እዩ። ኣምላኽ ዝንቃሳቐስ መሳርሒ ኣይኮነን። ኣምላኽና ኣምላኽ እዩ፤ ንኽዛረብ ዝግደድ ኣይኮነን፤ ዝግድዶ ኽኣ የልቦን። ግደና ምስማዕ ጥራይ ዘይኮነስ ምቕላብ ከኣ እዩ።

71 views3 comments

3 Comments


Amanuel Habte
Amanuel Habte
May 17, 2020

ዋዉ praise God. God bless you ፓስቶር ኣቤል ሓወይ ብሩኽ መመሊሱ ጸግኡ የብዝሓልካ...

Like

aminadab2014
aminadab2014
May 12, 2020

ኣምላኽ የዕዚዙ ይባርኽካ ስለቲ ጸዓትካ ፓስቶር ኣቤል ብሩክ ናይ ኣምላኽ ሰብ

Like

Amanuel Habte
Amanuel Habte
May 08, 2020

God bless you ፓስቶር ኣቤል ሓወይ.

Like
bottom of page