top of page
Search

ብምሕላን ምልዋጥ (Intentional Transformation)



ለውጢ ዘየቋርጽ ከይዲ እዩ። ዝኾነ ኣብ ገጽ ምድሪ ዘሎ እሞ ኣምላኽ ህይወት ዝሰኹዓሉ ህያው ፍጥረት ኩሉ ዕድመ ምስ ዝውሰኽ ምልዋጥን ምልውዋጥን ከርኢ ግድን እዩ። እዚ ሓቂ ኣብ ቦታኡ ኮይኑ ኣብ መንፈሳዊ ህይወት ግና ለውጢ ዝመጽእ ምስ ምንዋሕ ዕድመ ኣይኮነን። እንተዝኸውንሲ መጽሓፍ ቅዱስ “ ከም ምንዋሕ ዘመንስ መምህራን ክትኰኑ እኳ ምተገብኣኩም ነይሩ“ (እብ. 5፡12) ኣይምበለን። ገጽ ጎይታ ክሳብ እንርኢ እናተለወጥና ኢና እንኸይድ። ምልዋጥ ጠጠው ዘብል ገጹ ምስ ርኣና ጥራይ እዩ። ኣብዛ ህይወት ግና “ ከም ካብ መንፈስ ጐይታ ኻብ ክብሪ ናብ ክብሪ ናብቲ ምስሊ ኣርኣያኡ ንልወጥ “ (2ቆረ. 3፡18) ንክርስቶስ ምምሳል ንሕና ደሊናዮ ጥራይ ዘይኮነስ “ ንምስሊ ወዱ ኺመስሉ ቐደም መደቦም። “ ስለ እተባህለልና ድማ እዩ። (ሮሜ.8፡29)

እቲ ምልዋጥና ድማ ካብ ሐደ ደረጃ ናብ ካልኣይ እናሐለፍና ኮይኑ መወዳእታ ድማ ንእኡ ክንመስል እዩ። ብፍልጠት ምልዋጥ፥ ብርድኢት ምልዋጥ፥ ብተሞክሮ ምልዋጥ፥ ብኣታሓሳስባ ምልዋጥ ። ለውጢ ምልክት ምዕባይ እዩ። ዕድመ ዝፈጥሮ ምልዋጥ ጥራይ ዘይኮነስ ሕሉን (Intentional) ድማ ክኸውን ኣለዎ። ከመይሲ እቲ ብምልዋጥ ክትበጽሖ እትደልዮ ዘሎኻ ደረጃ ኩሉ ጊዜ ኣብ ቅድሜኻ እዩ። ብተወሳኺ ድማ ንሱ ንባዕሉ ክትበጽሖ ዘሎካ ኣድራሻ ከምዝኾነ ምዝካር ኣውራ ነገር እዩ። ኣድራሻ እንተኾይኑ ድማ ተንቀሳቒስካ እምበር ኮፍ ኢልካ ኣይብጻሕን።

ለውጢ ካብ ምድሓን ወጻኢ ኣብ መንፈሳዊ ህይወት ቅጽበታዊ ክኸውን ከሎ ጥራይ እዩ ሐደጋ ዝህልዎ። ንምንታይሲ ዳግም ልደት ጥራይ እዩ ሽዓን ንሽዓን ዝፍጸም። ለውጢ ካልእ ኩሉ ግና ዘገምታዊ እዩ። እንተ እቲ እንብሎ ዘሎና ዕብየት ግና ምስ ምልዋጥ እናተዛመደ እዩ ዝኸይድ። ይኹን እምበር እቲ ቅልጣፈን ምድንጓይን ግና ኣብ ቦታኡ እዩ። እቲ ናህሪ ለውጢ ድማ ብመጠን እቲ ንኽንልወጥ ኢልና ዝሓለነናዮን ዝወሰነናዮን ይውሰን። መለክዒ ቃል ኣምላኽ ኮይኑ ክንኮኖ ኢልና እንሕልኖ ብጽሕና ብኣና ይውሰን።

ውሳነ ግደ ሰብ ኮይኑ እቲ ዕዮ ወይ ከይዲ ግና መንፈሳዊ ስለዝኾነ ኣምላኽ እዩ ዝገብሮ። “ብዘሎ እቲ ስጋ ብደገፍ እቲ መመላገቢኡ እናተታሓሐዘን እናተኣሳሰረን፡ ብመጠን እቲ ነንኽፍሉ እተመደበሉ ግብሪ ብፍቕሪ ምእንቲ ኺህነጽሲ፡ ካብ ክርስቶስ እዩ ምዕባይ ዚረክብ ” (ኤፌ. 4፡16) ኣብታ እተጠርነፍናላ ማሕበር ዘለዉ ኣገልገልቲ ( ሃዋርያት ነብያት ወንጌላውያን ጓሶት መማህራን) ነቲ ኣካል ዘድልዮ ቀረብ መግቢ ኣዳልዮም ይቕርቡን ይምግቡን። እቲ ተመጋቢ ድማ ግዲኡ ነቲ እተማህሮ ብናብራ ብምትግባር ነቲ ዕቑር ዓቕሚ እቲ ቃል ኣብ ሓይሊ ይልውጦ።

ንምልዋጥ ኣብ ምህናጽን ምዕባይን እቲ ዝድለ ኣካላዊ እንተዝኸውን ነቲ ኣካላት ዝሃንጽ ምግቢ ትወስድ። ይኹን እምበር እዚ መስርሕ ምዕባይን ምልዋጥን ምስ ኣካላዊ ምህናጽን ምልዋጥን ከነታሓሕዞ ድማ ንኽእል ኢና። መጽሓፍ ቅዱስና ንቓል ኣምላኽ “ መንፈሳዊ መግቢ “ ይብሎ እዩ ፡ (1ቆረ. 10፡3) እሞ ከምቲ ምግቢ እናተመገብና እቲ እተመገብናዮ ምግቢ ድማ ኣብ ንዓና ምልዋጡ ከመይን እንታይን ከምዝኾነ ኣድቒቕና ዘይንፈልጦ እቲ በብእዋኑ እንምገቦ መንፈሳዊ ቀለብ ድማ ከምኡ እዩ። መግቢ ምስ ኣካላት ተዋሂዱ ንምልዋጥ ከምዝገብሮ ልክዕ ከምኡ ድማ እቲ እንሰምዖን እነንብቦን ዘሎና ቃል ድማ ብእምነት ምሳና ብምሕባር የዕብየናን ይልውጠናን።

ካልእ ሓደጋ ድማ ለውጢ እንተዘይ ሃልዩ እዩ። ከመይሲ እቲ እንሰምዖን እነንብቦን ዘሎና ቓል ባዕሉ ሓይሊ ምልዋጥ ዓቕሚ ዝሓዘ እዩ። እሞ ብዘንበብናል ቁጽሪ ምልዋጥ ከምጽእ ንቡር እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር “ (ሮሜ. 12፡2 ክብል ከሎ ነዚ ክገብሮ ዝኽእል ኣብኡ ኣብቲ ዝበልናዮ ጥቕሲ እንተዘየስፈሮውን ንቓል ኣምላኽ እናሓሰበ እዩ። ምንባብናን ምጽናዕናን እንድሕር ዘይልውጠና ሃልዩ ጸገም ኣብቲ ቃል ዘይኮነስ ኣባና ኣብቶም ተጠቀምቲ እዩ። ከመይሲ ነቲ ቃል እነብቦ ዘሎናስ ከይነብብና ንዝስምዓና ምኹናን ክንከላኸል እምበር ክንልወጥ ብምሕላን ስለዘይገበርናዮ እዩ።

70 views1 comment

Recent Posts

See All

1 Comment


Amanuel Habte
Amanuel Habte
May 17, 2020

God bless you ፓስቶር ሓወይ ብሩኽ. እግዚኣብሄር መመሊሱ ጸግኡ የብዝሓልካ ናይ ኣምላኽ ሰብ...

Like
bottom of page