ብምሕላን ምልዋጥ (Intentional Transformation)
ካልኣይ ክፋል
ዳንኤል ግና፣ በቲ ብልዒ ንጉስን በቲ ዚሰትዮ ወይንን ከይረክስ፣ ብልቡ ሓለነ፣ ብግዲ ኸይረክስ ድማ ነቲ ሓለቓ ስሉባት ለመኖ። ( ዳን.1:8 )
ምሕላን ካብ ልቢ እዩ
ምሕላን ዝብል ቃል ብትግርኛና ኣብ ብርቱዕ ሃቐና እተሞርኮሰ ጽኑዕ ውሳነ ማለት እዩ። መበገሲኡ ድማ ባዕልኻ ኮይኑ ብልብኻ ኢኻ እትጅምሮ። ካብ ልቢ ዝጅምረሉ ምኽንያት ማለትካ ምዃኑ ንምርኣይ እዩ። ምልስ ኢና እንተሓሰብናሉ ኩሉ ስጉምትታትናን ውሳነታትናን ኣብ ግብሪ ቅድም ምግሃዱ ሓሳብ ኮይኑ ቅድም ኣብ ልቢ እዩ ዝውዳእ። ብድንገት እንገብሮ ዝኾነ ነገር የሎን ። ብቐረባ እትፈልጦ ሰብ ተፈልዩካ ኣብ ካልእ ዓዲ ግዒዙ ምስ እትሰምዕ “ ምሳይዶ ኣይነበረን? “ ክትብል ዝክኣል እዩ። ይኹን ድኣ እምበር እቲ ምሳኻ እናሃለወ ድሮ ግና ብልቡ ኣብቲ ግዒዝዎ ዘሎ ዓዲ ግዒዙ ኣሎ።
እያሱን ካሌብን ብሙሴ ንኸንኣን ክስልዩ ምስ ተላእኩ ነታ ዝሰለይዋ ቦታ ቅድሚ ብእግሮም ምርጋጾምን ኣብኣ ምቕማጦምን “ ከይኣተዉ ዝኣተዉ “ ሰባት እዮም ነይሮም። (ዘሁ.13፡30) ገና ኣብ ስለያ ኸለዉ “ ኣቲናያ “ ዝብል ኣቃውማ ሒዞም ተመሊሶም ድሓር ሪፖርት ክህቡ ምስ መጹ ድማ ኣብ ልቦም ዝነበረ ሓሳብ እተጋህደ።
ምሕላን ምስ ርእስኻ እትውስኖ እዩ
ካብ መሰረቱ ብምሕላን ምልዋጥ ዘምጽኦ ዘለኻዮ ደረጃ ወይ ኩነት ምስ ተረድኣካ እሞ በቲ ዘለኻዮ ክትቅጽል ምስ ዘይትሓስብ እትምድቦ መደብ እዩ። ኣብ ምሕላን ብዘይካ ንእምላኽ ንማንም ምንጋር ድማ ኣየልድየካን። ከመይሲ ኩሉ ኣይኮነን ውሳነኻ ዝሰምሮ። ሰማዒኻ ዝህቦ ርእይቶ ምናልባት “ ዝክኣልዶ ይመለካ? “ ዝብል መቑረጺ ተስፋ ክኸውን ዝክኣል እዩ።
ብምሕላን ክትልወጥ ምስ እትሓስብ ብቐዳምነት ነቲ ጽኑዕ ሃቐናኻ ክትሕልዎ ኣገዳሲ እዩ። ከምቲ ኣቐዲምና ዝበልናዮ ክልወጥ ኢልካ ምስ እትሕልን ንኻልኦት እተተምብሆ ጉዳይ ኣይኮነን። ርኣዩለይ ስምዑለይ ዘብል ጉዳይ ኣይኮነን። ከመይሲ ገለ መማኽርትኻ “ ክምቲ ዘሎኻዮ ጽቡቕዶ ኣየሎኻን “ ዝብል ምላሽ ዘለዎም ክኸውን ስለ ዝኽእል እዩ። ምልዋጥ ንዓኻ እምበር ንኻልኦት ኣይኮነን። ነብዪ ዳንኤል “ በቲ ብልዒ ንጉስን በቲ ዚሰትዮ ወይንን ከይረክስ ” ቀዲሙ ምስ ርእሱ እዩ ተዛትዩ። ነዚ ውሳነ “ ብልቡ “ ገበሮ ድሓር ነቲ ሓለቓ ስሉባት ነገሮ።
ምሕላን መስርሕ እዩ
ምሕላን ኣብ ሓደ ጊዜ እትውስኖ ኮይኑ ነቲ ዝሐለንካዮ ዓቂብካዮ ውጽኢት ክሳብ እትረኽበሉ ምኻድ ግና መስርሕ እዩ። ትዕግስትን ዓልን ዝሓትት ኮይኑ ቆራጽነት ዘድልዮ እዩ። ነቲ ምሕላንካ ንድሕሪት ዝመልስ ሓይልታት ከምዘሎ ዘይምዝንጋዕ ውጽኢት ዘለዎ ውሳነ ክህልወካ ይገብሮ እዩ። ሚዛን ተኽእሎ ምርሳዕና ካብ ተኽእሎ ምዝካርና ዝደኸመ እዩ። ነቲ ዝሐለንናዮ ሃዋህው ተመሊስና ንዕኡ ዝመስል ክንረኽቦ ዝህልወና ዕድልውን ጸቢብ ክኸውን ዝለዝኽእል ዘይምድንጓይ ኣገደሲ እዩ። ብፍላይ ድማ ሽዓ ንሽዓ ምትግባር ምጅማር ኣዝዩ እዩ ዝሕግዝ።
ምውሳን ሓደ ህሞት እዩ ኣብ ዝወሰንካዮ ጸኒዕካ ምንባር ግና ካልእ እዩ። እስኪ ምልስ ኢልና ክንደይ ዘሕለፍናዮም ውሳነታት ግናኸ ዘየተግበርናዮም ክንቆጽሮምውን ዘይክኣሉ ንዘክር። ብውሑዱኳ ኣብ ሓንቲ ሰንበት ብዝመጻና ትምህርትን መልእኽትን ካብቲ ጉባኤ ከይወጻና ዝወሰነዮም ማእለያ የብሉን። ሽዓ ንሽዓ ብዘይምውሳንና ድማ ኣብታ ንርእስና ዝገደፍናያ ንረኽባ። ኣብ ሞንጎ ውሳነን ትግበረን ዘሎ ጊዜ እንተድኣ ኣሕጺርናዮ እቲ መስርሕ ምሕላን ኣድማዒ ይኸውን።
ዋዉ God Bless you ፓስቶር ሓወይ ብሩኽ.