መብዛሕትኡ ኣማኒ ኣነውን ዘለኽዎ ካብ ዝገብሮም ጌጋታት ሓደ ክይድ ኣንተውዒልካ እዩ ኮፍ ክብሃል ዝክኣል ዝብል ኣምር እዩ፡ እዚ እቲ ንቡር ኣካይዳ ፍጥረታዊ ሰብ እዩ። ይኹን ድኣ እምበር ኣብ ክርስትና እቲ መስርዕ ብግልባጡ እዩ። ልምምዳትና ዝብሎ “ እንተ ዘይተኸይዱስ ብኸመይ እዩ ኣብ ሽቶኻ ዝብጻሕ? ” እንተዘይተንቀሳቒስናሲ ብኸመይ ኢና ካብ ዘሎናዮ ናብቲ እንሓስቦ ዝብጻሕ? ገለ ጻዕሪ ከይገበርካስ ብኸመይ እዩ ኣሳልጦ ዝመጽእ? ” ጉዕዞ ክርስትና ግና ነዚ መስርሕ እዚ ብግልባጡ እዩ። ገለ ክንገብር እንተፈቲንና ኩሉ ኢና እንስእኖ። ንምንታይሲ መበገስ ክርስትና ብዕዮ/ግብሪ ዘይኮነስ ብውዱእ ዕዮ/ግብሪ እዩ። ነዚ እዩ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ መእተዊ ኤፌሶን “ እቲ ብክርስቶስ ገይሩ . . . .ዝባረኸና ” ኢሉ ዝጀመረ። በዚ ድማ እዩ እግዚኣብሄር ኣቦና ኣብ የማኑ ብክርስቶስን ምስ ክርስቶስን ኮፍ ኢልና እቲ ብክርስቶስ ዝገበረልና ክንሕጎሰሉን ኣብቲ ውዱእ ዕዮን ክንማላለስን ዝደልየና። (ገለ ክፋል ኣባህላ ዎች ማኒ ኣለዎ)
ጻውዒት ንምዃን ኣብ ክንዲ ንምግባር!
ኣነን ንስኻትኩምን ናብዚ ዘሎናዮ ጸጋ ብእምነት ምእታው ዝረኸብና (ሮሜ. 5፡2) ህዝቢ ኢና። ዕዮ ጸጋ ንዘይግብኦ ከም መሰሉን ግብኡን ጌርካ እቲ መሰል ውልድነት “ ነቲ ቀደም ብትዕግስቲ ኣምላኽ እተገብረ ኣበሳ ብኸምኡ ብምሕዳግ “ ተቐብሎ ምርካብ ማለት እዩ። ብኸምኡ ክንብል ከሎና ግና ንኹሉ በደልን ዘይምእዛዝን ቅኑዕ ፍዳኡ ብምሃብ (እብ.2፡2) ነቲ እተገብረ ኣበሳ ድማ ማዕሪኡ ክኸውን ዝኽእል በጃ ብዝኾኖ ህያው መስዋእቲ ብምኽፋል እምበር ኣበሳ ከምዘይተገብረ ብምርኣይ ወይ ሸለል ብምባል ኣይነበረን። ነዚ ኸኣ እዩ ዓስቢ ሓጥያት ዝወለዶ “መቕጻዕቲ ዘበለ ኩሉ “ ናብኡ (ክርስቶስ) ዝወረደ (ትን.ኢሳ. 53፡5) ብሞቱ ምትዕራቕ ከይኣኽለና ድማ ብምስዓብ ድማ ብክርስቶስን ኣብ ክርስቶስን ንምዃን መሰል ማዓርግ ውልድነት ( positional rank) ብክርስቶስ ተዋሂብና ኣብቲ ክርስቶስ ተቐሚጥዎ ዘሎ ሰማያዊ ስፍራ ኣቦ “ ኣብቲ ሰማያት ስፍራ ብክርስቶስ የሱስ ገይሩ ምስኡኣቐመጠና “ (ኤፌ.2፡6 ) እዚ ስፍራ እዚ ንዓይን ንዓኻትኩምን እተዋህበ ድማ በቲ ክርስቶስ ብምፍሳስ ደሙን ብምውፋይ ህይወቱን ዝፈጸሞ ክንዳይነትን በጃነትን እተኣትወልና ደም ሓድሽ ኪዳን እተፈጸመ ዕዮ እዩ። ንመጽንዒኡውን ብማሕተም መንፈስ ቅዱስ ገይሩ ( ኤፌ.1፡13) ሐተሞ።እዚ ፍጻመ እዚ ኣብ ሞንጎ ኣምላኽን ንሕና ፍጡራቱን እተገብረ “ ዓቢ ምልውዋጥ “ ምተባህለ። ካብ ውሉድ ንምዃን ብግብሪ ናብ ውሉድ ንምዃን ብምዃን እተኻየደ መለኮታዊ መስርሕን ከይድን እዩ። እዚ ዕዮ ጸጋ እዚ ንኽርድኣካ ካብ ተሞክሮኻን ተሞክሮ ካልኦትን ከም መወከሲ ምጥቃም ገዲፍካ ናብቲ እቲ ቃል ዝብለካ ምምላስ ከድሊ እዩ።
ሾብዓተ መሰረታዊ ሓቅታት ብክርስቶስን ኣብ ክርስቶስን ዘሎና ማንነት
1. ብክርስቶስ ኮይናዮ ዘሎና ኣበርክቶና ዘይብሉ ውጽኢት እቲ ውዱእ ዕዮ መስቀል’ዩ። ኣብነት ‘ ጽድቂ ’ ዝብል ኣምር ኣብ ቅድሚ’ቲ ፍጹም ኣምላኽ ገለ ኣበሳ/ሓጥያት ከምዘይብልካ ኮይንካ ደው ምባል እዩ። እዚ ኸኣ ንሱ ባዕሉ ሓጥእ ከምዝኾንካ እናፈለጠ እንተዘይኣዊጁልካ “ ኣሎኒ ወይ ጽዒረ ረኺበዮ “ እትብሎ ኣምር ኣይኮነን።
2. ኣብ ክርስቶስ ዘሎና መንነት ዝንከዮ ይኹን ዝውሰኾ ዘይብሉ ፍጹም ህልዎት እምበር እናተማሓየሸ ዝኸይድ ወይ ማዓርግ እናወሰኸ ዝኸይድ ኣይኮነን። ወይውን ገጽ ጎይታ ምስ ርኣና ፍጽምና ዝረክብ ኣይኮነን።
3. ኣብ ክርስቶስን ብክርስቶስን ዘሎና መንነት ዘልኣለማውነት ዝለበሰ ፈቲናን መሪጽናን እንኣትዎ ስለዝኾነ ካብ ፍቓድናን ምርጫናን ወጻኢ ክውሰድን ክምንጠልን ዘይክኣል መሰል ውልድነት እዩ።
4. ብክርስቶስ ዝረኸብናዮ ማንነት ዘይለዋወጥ እዩ። እቲ ነቲ ማንነት ዘሎና ንቕሓት ብመጠን እቲ በብእዋኑ እንረኽቦ ብርሃንን ፍልጠትን ስምዒታትና ክለዋወጥ ይኽእል እዩ። እዚ ግና ነቲ ብክርስቶስ ሐደሽቲ ፍጥረት ምዃንና ዝጸሉ ኣይኮነን።
5. እቲ ብክርስቶስ ዘሎና ማንነት ማንም ክነገረናን ከረጋግጸልናን ከጽንዓልናን ዘየድሊ ዘልኣለማዊ ሓቂ እዩ። ክንየው ስምዒታትናን ስበኽትናን ይኹኑ ነብያትና ኣምላኽ በቲ ህያው ቃሉ ዝበሎን ብመንፈሱ ድማ ኣብ ውሽጥና ዝምስክሮን ክተረጋግጾ ስምዒትካ ሃሰስ ዘይትብሎ ኣምርን ተሞክሮን እዩ።
6. እቲ ብክርስቶስ ዘሎና ማንነት ክርስቶስ ኣብ ህይወትና ብምእታዉ ኣምላኽ ድማ ወርትግ ብክርስቶስ ገይሩ ዝርእየና እንታውነት እምበር “ ብምግልጋልና ወይውን ብጽቡቕ ግብርታትና “ እናማዕበለ ዝኸይድ ማንነት የብልናን። ሓንሳእ ውሉድ ኩሉ እዋን ውሉድ!
7. እቲ ብክርስቶስ ዘሎና ማንነት ኣበርክቶና ስለዘይብሉ “ኣነ. . . እየ ” ኢልና እምንክሓሉ ማንነት ዘይኮነስ በቲ ናይ ምእማንና ሃዋርያን ሊቀ ካህንን ኣብ ጸጽባሕ እናተመካሕና እንእመኖ መንነት እዩ።
Comments