ሻሎም አለኸይም!
ብተስገዳድ ዘይኮነስ ብወለንታ ኣብ ሰራዊት ክትስለፍ ኢልካ ምስ እትሓስብ ስነ-ኣእምሮኣዊ፤ ዓቕማዊ ፤ኣካላዊ ብቕዓትካ ተፈቲሹን ተመርሚሩን እሞ ድማ ብኹሉ ምሉእ ኮይንካ ምስ ተረኸብካ ኢኻ ‘ ብቑዕ ‘ ዝብል ሽም ዘውህበካ። ድሕሪ እዚ ዛጊት ንድሕሪት እትብለሉ ምኽንያት ባዕልኻ እንተ ዘይፈጢርካ ወይውን በቲ ዕላማ ምስላፍ እንተ ዘይተረቲዕካ ስሉፍ ዓቀይታይ ካብ ምዃን ዝኽልክለካ የለን። ከምኡ ኸኣ ጎይታ ክጽውዓና ኸሎ እሞ ብፍትውና ክንስዕቦ ምስ ወሰንና ጽውዓና ንኸይንፍጽም ምኽንያት ምእንቲ ከስእነና ኢሉ ነቲ ጽውዓ የድሊ እዩ ዝብሎ ነገር ኣዕጢቑ ዓቀይቱ ገበረና። ንምስዓቡ እንተኾነ እሙንነቱ ፤ ንናብራ እንተኾነ ጸጋ፤ ንምግልጋል እንተኾነ ውህበት ጸጋ፤ ኮታ የድሊ እዩ ዝብሃል ኩሉ ቀረብ ሂቡናን ይህበናን ኣሎ። እንታይ ከም እተዋህበና ክኽንፈልጥ ድማ “ ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዚኸውን መንፈስ “(1ቆር.2፡12) ተውሂቡና ኣሎ። ሃዋርያ ጴጥሮስ ኩሉ ከም እተዋህበና ክዝቲ ኸሎ “ እቲ ብፍልጠት ክብሩን ደግነቱን ዝጸውዓና ኣምላኻዊ ሓይሉ ንህይወትን ንፍርሃት እግዚኣብሄርን ዚኸውን ኵሉ ኻብ ዚህበና “ (2ጴጥ.1፡3) ይብል።
ኣሕዋተየ ካብዚ ብምብጋስ ድማ እዩ ጽሓፊ መጽሓፍ ኤፌሶን ነቲ እተጸዋዕናሉ ጽውዓ ብቑዓት ኮይንና ክንመላለስ (ኤፌ. 3፡1) ብምባል ካብ ለበዋ ዝሐለፈ ሐይለ-ቃል ዘለዎ ምሕጽንታ ብመንፈስ ቅዱስ ኣቢሉ ነጊሩና ዘሎ። እቲ ጸገም ሐደው እንታይ ከም እተዋህበና ዘይምፍላጥና ወይውን ካብ ፍልጠት ዝሐለፈ ስጉምቲ ዘይምውሳድና እዩ ኢለ እኣምን። ከመይሲ እተገልጸን ዝርኣ ዘሎ መነባብሮናን ዝምስክሮ በቲ ኽዙን ሐበሬታ( ፍልጠት) ምሉኣት ኮይንና ኣብ ደረጃ ዘይብቕዓት ወሪድና እንመላላስ ምህላውና እዩ። ቃል ኣምላኽ ብቐሊሉ ዘይርእዮ ዝለዝኾነ ኣገዳስነት እዚ ኣርእስቲ ዝሕብር ጸሎት ሃዋርያ ጳውሎስ ዝጽለዮ ከምዚ ዝስዕብ ይንበብ፡ “ ኣዒንቲ ልብኹም በሪሁ፡ ተስፋ ጽውዓኡ እንታይ ምዃኑ፡. . . . ኽትፈልጡ፡ “ (ኤፌ. 1፡18) እዛ ጻውዒት እዚኣ ነቲ ድሕሪ ናብ ጎይታ ምእካብና ዝህሉ ተስፋ ዘይኮነስ ነቲ ኣብዝን ሕጅን ብኸመይን ንምንታይን ከም እተጸዋዕና እያ ትሕብር። እቲ ምንታይ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ተረቑሑ ዘሎ ‘ ንህይወት’ (2ጴጥ.1፡3) ስለዝብል እዩ። እዛ ጻውዒት እዚኣ ንምፍላጣን ንምልላያን “ ምብራህ ኣዒንቲ “ ማለት ሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ስለዘድሊ ድማ እዩ ሃዋርያ ጳውሎስ “ እቲ ብኣምላኽ እተዋህበና ምእንቲ ክንፈልጥሲ (1ይቆር.2፡12)“ ብምባል ብጸሎት ዘቕርቦ ዘሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ብቑዓት ኮይንኩም ክትመላለሱ ዝብለና ገለ ክንመላለሰሎም ዘሎና እዮም ዝብሎም መሰረታውያን መንፈሳዊ ሓቅታት ከካፍለኩም።
ውሉድ ክነስኻ ጥፉእ ዘይምዃን፡
ውልድነት ብምህላው ዘይኮነስ ብምዃን እዩ ዝጅመር። ምስ ኮንካ ክህልወካ ንቡር እዩ! ውሉድ ምዃን ምፍላጥ ሐደ ነገር እዩ ከም ውሉድ ኮይንካ ምምልላስ ድማ ካልእ ታሪኽ እዩ። ስእሊ ርእስኻ ዝቕየር ድማ ኣትሓሳስባኻ ምስ ዝቕየር ጥራይ እዩ። ኣብ ቃል ኣምላኽ ብዙሕ ኣብነትት ክውሰድ ዝክኣል እንተኾነኳ ኣብታ ጎይታ የሱስ ኣብ ሉቃስ 15 እተዛረቦ ምሳሌ ጥፉኣት ኣዘውቲርና እንሰምዖ ጥፉእ ማለት እቲ ቤቱ ሓዲጉ ዝኸደ ንእሽቶ ውሉድ እዩ። ይኹን እምበር እቲ ዓቢውን ኣብ ቤት ኣቡኡ እናነበረ ጥፉእ ከም ዝነበረ ኣይንረስዕ። ጥፉእ ማለት ድማ ከሎ ዘየሎ ማለት እዩ። ብኣካል ኣብ ቤት ኣቡኡ እዩ ብሓሳቡ ግና ቤት ኣቡኡ ቤት ጓና እዩ። ከመይሲ ቋንቋኡ ንስምዓዮ። “ ክንድዚ ዓመት ተገዛእኩኻ “ ( ሉቃስ 15፡) ውሉድ ድዩስ ግዙእ? ኣቦ ውሉዳይ ይብሎ ንሱ ‘ ተገዛእኩኻ ‘ ይብሎ። ኣብታ ምስላ እንትርፎ ኣቡኡ ‘ ወደይ ‘ ክብሎ ኸሎ እቶም ግዙኣት እቲ ሰብኣይ ድማ ‘ ኣቦኻ ‘ ክብልዎ ኢና ነንብብ እምበር ንሱ ‘ ኣቦይ ‘ እትብል ቃል ኣየውስኣን። እዚ ኹሉ ዘመን ኣብ ቤት ኣቡኡ እናነበረ ዝነብሮ ዝነበረ ናብራ ‘ ከም ግዙእ ‘ እምበር ከም ውሉድ ከምዘይነበረ ሕጂ ካብ ኣፉ ኣውጽእዎ። ኣፉ ዝብሎ ዘሎ ድማ ምልኣት ልቡ ወይ ኣትሓሳስባኡ እዩ። እዚ ኣጋጣሚ እንተዘይፍጠር ኣብ ልቢ እቲ ዓቢ ውሉድ ዝነበረ ሓሳብ ከይተገልጸ ምተረፈ። ኣብ መጻኢ ሐደ ምዓልቲ ከም ውሉድ እርኣ እኸውን ግዲ እናበለ ምነበረ። ንሱ ብሕጊ ስነ-ህይወት (biology) ድኣ እዩ ውሉድ እምበር ብናብራ ይኹን በተሓሳስባ ካብቶም ግዙኣት ኣቡኡ ዝፍለየሉ ዋላ ሓንቲ የብሉን። ሰብ ከኣ ከምቲ ብልቡ ዝሓስቦ ከምኡ እዩ ዝነብር። ንስኻስ ኢልዎ ኣቡኡ “ ኩሉ ሳዕ ምሳይ ኢኻ” ወሲኹ ድማ ናተይ ዘበለ ድማ ናትካ እዩ (ነይሩ) (ሉቃስ 15፡ 31) ኢልዎ። ኣቡኡ ዝውንኖ ዝነበረ ንብረት ኹሉ ናቱ ከይከውን ዝገብሮ ገለ ነገር ስለዘይነበረ (by default) ናቱ ነበረ ። ክሳዕ ሎሚ “ ምስ ኣዕሩኹ ዝሕጐሰሉ ማሕስእ “ ናቱ ክነሱ “ ግናኸ ክውሃቦ ይጽበ ስለዝነበረ ነቡኡ“ ኣይሃብካንን “ ኢልዎ።
ውልድነት ብምህላው ዘይኮነስ ብምዃን እዩ ዝጅመር። ምስ ኮንካ ክህልወካ ንቡር እዩ! ደጊም ብድሕርዚ ውሉድ እምበር፡ ባርያ ኣይኰንካን። ውሉድ ካብ ኰንካ ግና፡ ብክርስቶስ ወራሲ ኣምላኽ ኢኻ።“ (ገላ.4፡7)
Comentarios