top of page
Search

ትግባረ ክዙን ሐበሬታ (ፍልጠት)

Updated: Apr 6, 2020


ካብ ኣብ ኣእምሮ ምኽዛን ዘይሓልፍ ‘ ነፋሒ ‘ ክዙን ሐበሬታ (ፍልጠት) (1ቆረ. 8፡1 ) ኣብ ግብሪ ምስ ዘይውዕል ፈሪሳዊ ዝብል ሽም ክህልወካ ይገብር። ፍልጠትካን ዘረባኻን ኣማኒ እንተበለካውን ኣተሓሳስባኻን ናብራኻን ግና “ ስዑር ኣማኒ ” ዝብል ሽም የጹረካ። ምልክቱ ድማ ንመሰረት ምድሓንካ ዘናቓንቕ ህሞት ወይ ትምህርቲ ምስ ዝቕልቀለካ ግብረ መልስኻ ፍርሃትን ጥርጥር ብዛዕባ ምድሓንካን እምበር ከም ውሉድ ኣብ ቤቱ ክንጸባርቕን ኣይትረኽቦን። መሰረት ምድሓንካ ሃሰስ እትብሎ ገለ ምንዋጽ ምስ ዝፍጠር ጥራይ እዩ።

ስኩፍ ጥርጥርን ፍርሃትን ዝመልኦ ናብራ ውጽኢት ኣብቲ ውሑስ ዝኾነ ፍልጠት ሓቂ ደው ዘይምባልን ነቲ እተገልጸልካ ሐቂ ድማ ዘይምንባርን እዩ። ጳውሎስ ኣብ ሮሜ 14፡8 “ብህይወት እንተ ነበርና፡ ንጐይታ ኢና እንነብር፡ ወይስ እንተ ሞትና፡ ንጐይታ ኢና እንመውት እሞ፡ ብህይወት እንተ ነበርና ወይስ እንተ ሞትና፡ ናይ ጐይታ ኢና “ ክብል ከሎ ሞት ይኹን ህይወት ዘየናውጾ ፍልጠት ሐቅን ናብራ ቅኑዕ ክርስትና ይነብር ምንባሩ ይሕብረና። ናብራኡ ኩሉ ንሱ ምንባር ጠጠው ኣቢሉ “ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዚነብር ዘሎ እምበር፡ ደጊም ኣነ ኣይኰንኩን ዝነብር ዘሎኹ“ ( ገላ. 2፡20) ክብል ከሎ ንሰምዖ። ከምቲ ንሱ ዝነበሮ ናብራ ክንነብር ምንባር ስለዝክኣል ድማ “ ከምዚ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘሎኹ፡ ንስኻትኩም ንኣይ ምሰሉ። “ ኢሉ ይብድሃና። (1ቆረ. 11፡1)

ካልእ ኩሉ ማለት መንፈሳዊ ልምምዳትን ተሞክሮታትን መንፈሳዊ ህያባትውን ወሲኹ ኣብ ህይወትና ዘይምግሃዱ ንግደፎ እሞ እቲ ክርስቶስ የሱስ ከም ጎይታን ንጉስን ኣብ ህይወትና ምዃኑ ጥራይ ምስ ኣቦ ዝህልወና ርክብ ማዓርግ ውሉድን ወላድን እዩ። ብመልክዑን ምስሉን ንኽብሩ ድማ ዝደኮንና (ኢሳ.43፡1) ኽነሱስ ብሓጥያት ኣዳም ዝመጸ ምብታኽ ርክብ ውሉድን ወላድን ብሞትን ትንሳኤን የሱስ ክርስቶስ ምትዕርራይ ረኸበ። እቲ “ ውሉድ “ ዝብል ባዕሉ ንዓና መጸውዒ ሽም (title) ከውህበና ኸሎ ንእግዚኣብሄር ድማ ምስክር ዋንነት (title deed) ዝብል መለኮተ-ሕጋዊ (divine-juristic) ስልጣን ኣውሂብዎ። ኣብ ክርስቶስን ብክርስቶስን ዘሎና ቦታ ማለት ማዓርግ ( positional and not placement) ሕጋውነት ተርእዮ ከም ዝለበሰ ንእመኖን ንተኣምነኖን ድማ ንንበሮን።


26 views0 comments

Comments


bottom of page