እቲ ዝነውሐ መገዲ ብነፋሪት ካብ ሲንጋፖር ተላዒልካ ናብ ሰሜን ኣሜሪካ ከተማ ኒው ዮርክ ንኽትበጽሕ እዩ። ብንውሓቱ 15343.49 ኪሎሜትር ክኸውን ከሎ ብዘይ ዕረፍቲ ኣብ ሃዋህው ጥራይ ዝወስደልካ ጊዜ ድማ 18 ሰዓትን ፈረቓን እዩ። እዚ ይትረፍዶ ክትጉዓዞ ክትሰምዖ ከሎኻ ጥራይ ዘስደምም እዩ። ግናኸ ትፈልጡዶ ካብኡ ዝነውሐ መገዲ ካብ ኣእምሮኻ ንልብኻ ከምዝኾነ። ኣእምሮና ሓበሬታታት እናተቐበለ ንምኽዛን ቅልጡፍ መሳርሒ ክነሱ ሐበሬታ ኣብ ምዓላ ንምዓል ግና ዝነውሐ ጊዜ ይወስደሉ። እቲ ምንዋሕ ብቑመት ደረጃ ዘይኮነስ ኽዙን ሓበሬታ (ፍልጠት) ናብ ምትግባር ክተምጽኦ ዝወስደልካ ምጉታት እዩ። እተኸዘነ ሓበሬታ ድማ ቀልጢፉ ስለዘይትግበር እቲ ዝመጸ ሓድሽ ሓበሬታ ኣብቲ ድሮ ተኸዚኑ ግናኸ ከይተተግበረ ዝጸንሐ ፍልጠት ተደሪቡ ነቲ ነባር ከይትግበር ይኽልክሎ። እቲ መስርሕ ከምዚ እዩ። ኣእምሮ ካብ ኣእዛን ይቕበልሞ ነቲ እተቐበሎ ተቐቢሉ ንልቢ የውርዶ ። ካብኡ ልቢ ድማ መምዩ ንትግባረ መሊሱ ነእምሮ ትእዛዝ ይህቦ እሞ ኣእምሮ ተኣዚዙ ንትግባረ ይዕጠቕ። ነዚ እዩ ሃዋርያ ጳውሎስ “ ኵሉ ኣእምሮውን ንምእዛዝ ክርስቶስ ንማርኸሉ ኢና።” (2ቆረ. 10፡5)ብምባል ኣእምሮ ኣብ ምእዛዝ ዘለዎ ግደ ዝነግረና። እምበኣር እቲ ዝኸበደ ውግእ ኣጽዋር ኣምላኽ ሒዝካ ንሓሳባትን ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ዝጻላእ ልዕል ዝበለ ነገርን ኣፍሪስካ ነእምሮ ምምራኽ እዩ። (2ቆረ. 10፡4 ) ኣእምሮ ምስ ዝማረኽ ንፍልጠት ኣብ ምትግባር ( ምእዛዝ ) ድሉውነቱ የርኢ። ከመይሲ ነቲ ሓበሬታ ተቐቢሉ ሓደው ኸዚኑ ፍልጠት ጥራይ ክኸውን ይገብሮ ወይ ሽዓ ንሽዓ ተኣዚዙ ብምትግባር ንህይወት ከምዝጠቅም ይገብሮ። ከምቲ እንበልዖ መግቢ መወዳእታ ኣድራሻ ዘለዎ ልክዕ በእዛንና እንመገቦ ሐበሬታ ድማ ትግባረ ዝብሃል መወዳእታ ነቑጣ ኣለዎ። ጎይታ የሱስ “ ነዚ ነገረይ ሰሚዑ ዚገብሮ/ዘይገብሮ ኹሉ፡. . . . ( ማቴ. 7፡24)“ ዝበሎ ሰማዒ እቲ ቃል ኩሉ መተግበሪ ግና ዘይኩሉ ከምዝኾነ ኣመልኪቱ እዩ። ካብ ብሉይ ኪዳን ዘሎ 23145 ጥቕስታት ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዘሎ ድማ 7957 ጥቕስታት ሸምዲድካ ምፍላጥ ሓንቲ ጥቕሲ ኣብ ትግባረ ትበልጽ። ከመይሲ ከዘንቲ ቃል ዘይኮንናስ መተግበርቲ ክንከውን ኢና ተጸዊዕና። እቲ እንሰምዖ ካብ ክልተ ዝኣፉ ዝበልሕ ህያው ቃል ኣምላኽ ብስልጣኑን ምስላጡን ብቋንቋ እንግሊዝ Transformational knowledge (ለዋጢ ፍልጠት) ይብሃል። ኣነን ንስኻትኩምን ነቲ ኣብ ሞንጎ እተኸዘነ ሓበሬታን ትግባረን ዘሎ ጋግ እነጽብቦ ውዓል ሕደር ብዘይብላ ነቲ በእዛንና ዝሰማዕናዮ ሽዓን ንሽዓን ብምትግባር እዩ።
Comments